ኣግራብ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ኣገዳሲ ኣበርክቶ እዩ ዘለዎም። ማዕረ ብህላወ ወዲ ሰብ ውን ክትመን ይከኣል። ገለ ካብ ጥቅምታት ኣግራብ ውስ ክብለኩም. . 1) ምምንጫው ኦክስጅን: ኣግራብ ካርቦንዲኦክሳይ (CO₂) ስሒቦም እቲ ንህላወ ወዲ ሰብ ኣገዳሲ ዝኾነ ባኣታ ኦክስጅን (O₂) ብፎቶዝንቴዘ የውጽኡ። ወዲ ሰብ ከም'ኡ ውን እንስሳታት ድማ በኣንጻሩ ኦክስጅን(O₂) ስሒቡ ካርቦንዲኦክሳይድ (CO₂) ንደገ የስተንፍስ። 2) ምክልኻል ፍግረመሬት፡ ኣግራብ ሓመድ ብሓይሊ ማይ ተደፊኡ ንከይከይድ ብ ሱሮም ይከላኸሉ። እቲ ንዓለምና ናብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝወስዳ ዘሎ ክርቦንዲኦክሳይድ (CO₂) ስለ ዝኽዝንን በቲ ዝህቦ ጠልን ከኣ ኣብ ምትሓት ሙቀት ዓቢ እጃም ይጻወት። ብተወሳኺ ማይ ከም ውሕጅ ከይከይድ ናብ ትሕቲ መሬት ከኣቱ ይሕግዙ። 3) መዕቆቢ እንስሳታት: ኣግራብ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዝነብሩ እንስሳታት ውሑዳት እዮም፡ እቲ ምንታይ'ሲ ኣግራብ ስፍራ፡ መጽለሊ፡ ካብ ጸላኢ መዕቆቢ ስለ ዝኾኑ። ኣብ ኣህጉርና ኣብተን ዓድታት ዝኾነ ኣኼባ ክግበር ከሎ ንኣብነት ኩሉ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዓቢ (መጽለሊ ዘለዎ) ገረብ ይእከብ። ካብ ገዛኻ ኣብ ትወጸሉ ኩሉ ግዜ ኣብ ግዜ ጸሓይ ኮነ ኣብ ግዜ ዝናብ ከም መጽለሊ ንጥቀመሉ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ሂወትና እዩ። 4) ንመግብን ንሓውን፡ ኣግራብ ብሂወቶም ከለዉ ነናቶም ዝህቡና ክንምገቦም ንኽእል ፍርያት ኣለዉ፡ ብተወሳኺ ብሂወቶም ምስ ዘይህልዉ ማለት ብባህላዊ ኣገላልጻ ምስ "ዝነቅጹ" ከም ሓዊ ተጠቂምና ንሙቀትን መስርሒ መግብን ክንጥቀመሎም ንኽእል። 5) መስርሒ መዕቆቢ፡ ኣብ ኣህጉርና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ዝዝውተር "ህድሞ ገዛ" ንክትሰርሕ ብዙሕ ኣግራብ ኢኻ ተህልኽ፡ በዚ መገዲ ከኣ ደቂ ሰባት መዕቆቢ ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለውን። ብተወሳኺ ንሓደ ገዛ ቀጽሪ ንምስራሕ ገረብ ብብዝሒ እዩ ዝዝውተር። ጥቅምታት ኣግራብ መወዳእታ የብሎምን፡ ስለዚ ኣግራብ ክንከናኸኖም ይግባእ። ዲ.በረከት ማሓረና 16.12.2024
#eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habeshatiktok
#eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha
#eri #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹🇪🇹
#tigraytiktok🇻🇳🇻🇳tigraytiktok
#eri#ኤርትራ