ሃይለስላሰ ወልዱ ዝተባህለ ዓዋን ሰብኣይ፣ብገበታ ጽንጹዋያትን ገፈጥመፈጥን ዝመለአት ብዛዕባ ዓዋተ ጽሒፈ ኢሉ፣ናይ ሓሶት መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ ኔሩ። እቲ ድፍረትን፣ስድነትን ካብ ኩሉ ዓጀውጀው ናይዚ ሰብኣይ፣ብዘይዝኾነ ጭብጢ ኣድጊ ተሰቒሉ፣ፈቐዶ ደምበታት ጋሽባርካ ኮሊለ፣ኣውላን መጎሎን ሃደምደመን በጺሐ ዛንታ ኣጠራቒመ ኢሉ፣ቅንጣብ ነጥቢ ከየቐመጠ 475 ገጻት ጽሒፉ፥ነቲ ንዘመናት ኣቦሓጎታትና ዝተቓለስዎ ቃልሲ፣ብሓደ ናብራ ሓረስታይ ተመንይዎ ዝሸፈተ ሓላቕ ሰብኣይ ዛንታኹም ካብዚ ይነቅል ኢሉና። እድሪስ ዓዋተ ዛንታ ሽፍትነቱ ኣብ ጋሽባርካ ምስ ምምጻእ ኢንግሊዝ ብዝተጋነነ ድሕሪ 40ታት ሽፍትነት ብዘይገደብ ኣስፋሕፊሑ ኣብ ዝነበረሉ ሽፍታ ኔሩ፣መንግስቲ ኢንግሊዝ ሃንደበት ነቲ ሽፍትነት ደው ኣብልዎ ክትመሓሩ ኢሉ እማመ ኣቕሪቡ፣ገሊኦም ተሰማሚዖም፣ገሊኦም ሽፍትነቶም ቀጺሎም ሞይቶም፣እዚኣቶም ከ ሃገራውያን ሓርበኛታት ድዮም፧! ኣይተ እድሪስ ከም ማንም ሸፋቱ ሽፍታ ኔሩ፣ሽፍታ ብሽፍቱኡ ንማሕበረሰብ ኩናማ ዝቐትልን ዝዘምትን ሓደ ቁማርተኛ ሰብኣይ ኔሩ፣ምስቶም ኣዕሩኽቱ ውን ንቛማር ዝኸውን ገንዘብ ዘይኣለቃሕኩምኒ ኢሉ ክበኣስ ዝውዕል ሓደ ዘይረብሕ ምንባሩ ንኽሕብረና ኣብዚ መጽሓፍ ኣቐሚጡዎ ኣይተ ሃይለስላሰ። እዚ ህውታትያ ሃይለስላሴ-ወልዱ፣ንዓዋተ ያኢ ሞጒሰ ንኽብል፣ዓዋተ ነቶም ናይ ኣቑርደት ፖላይስ ንኸሕርቕ ንሓደሰብ ክሳዱ ቀንጢቡ ነታ ርእሲ ናብቲ እንዳፖሊስ ደርብይዋ ፈረሱ እናጋለበ ከደ ይብለና ነዚ ተኣምራተኛ ሓሶት ዝነገረና ኣይተ ሃይለስላሴ። ዝኾነ ኮይኑ፣ንሕና ንዘመናት ዝኸይድ ወለዶ ድሕሪ ወለዶ ዝወራረስ ናይ ቃልሲ ሰንሰለት ምበር ንዓና ሓደ ትምባኾ ኣብዚሑ ዓወንወን እናበለ ተመን ነኺስዎ እንከሎ ጻልጣ ጸባ ሰትዩ ወጋሕታ ሓፊስ ጥፍጣፍ ኣብ ኣፉ ኣቐሚጡ ዝሞተ ሃንደበት ዛንታ ከም ዘይብልና ዛንታና ኣይጅምሮን፥እዚ ቀጣፊ ዝጀመረልና ሰውራ ውን የብልናን። ኣብ 40ታት መራሕትና ተበታቲኖም ማሕበራዊ ኣቃውማና ሕማቕ ኔሩ፣ብሰሪ ስእነት ስርዓት ብብዝሒ ሽፍትነት ኔሩ፣ኩሎም ሸፋቱ ግዳያትን ገበነኛታትን ምበር ጀጋኑ ኣይኮኑን። ኣይተ እድሪስ ከም ኩሎም ኣብ ባርካ ጉብዝናኦም ከርእዩን ስርዓት ኣልቦ ኮይኖም ዝሸፈቱ ሽፍታ ኔሩ፣ዝኾነ፣ሃገራዊ ውጥን ኣይነበሮ ዕላማ። ዓዋተ እንታይ ይደሊ፣እንታይ ዓቕሚ ኸ ኔርዎ፣ንምግማቱ ኣየጸግምን። ብዘይካ እዚ ዓዋተ ነቶም ከምኡ ሕብረተሰብ ኩናማ ክቐትልን ክዘምትን ዝውዕል ከመይ ጌሩ ኢዩ ሰውራ ክጅምር ክሓስብ፥ኣበዩ ዝፈልጦ ንህዝቢ ኤርትራ፧! ኤርትራ ከም ኣቃውማን ማእከልነትን ህዝቢ ከበሳ ኢዩ ዝቕልሳ ሓደ ዕዋላ ናይ ጓሶት ሰውራ ያኢ ክፍልም፧! እድሪስ ነቶም ንዑኡ ዝመስሉ ህዝቢ ንኽብድል ዘይገበሮ ኣይነበሮን፣ፈቐዶ ዱኳናት ትግረ ኣትዩ ተምሪ ውን ይሰርቕ ኔሩ፣እዚስ ሰውራ ከኣ ክጅምር፧!ገበናቱ ተፈሊጥዎ ይቐብሩኒ ዶ ኣይቀብሩንን፥ኣብ ገረብ ከይሰቕልዎ እንታይ ይገብሩኒ ይኾኑ ፖላይስ እናበለ ዘርባዕባዕ እናበለ ኢዩ ሞይቱ ሓደ መስከረም ዝበሃል፣መዓልቲ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ የብልናን!!
#fyp #fyp #fypage #fyppppppppppppppppppppppp #fypp #fybシ
#fyb #fybシviral @ሚልክያስ/kevi @ብሬን ርእሲ ዓዲ ኣግኣዝያን